ብዛዕባ ሃሎ ኮንሱመንት (Hallå konsument)
Om Hallå konsument - Tigrinska
ሃሎ ኮንሱመንት ብናይ ሽወደን ኣህላኺ ቤትጽሕፈት ዚውገን ሃገራዊ ናይ ሓበሬታ ኣገልግሎት እዩ። ንሃልኪ ዚምልከት ናይ ኣቕሑ ዕድግን ኣገልግሎትን ጥርዓንን ዘላቒ ሽመታን ሕቶ ምስ ዚህልወካ ንኣና ተወከሰና። ሃሎ ኮንሱመንት ናብቲ ሽወደናዊ ኤውሮጳዊ ቁጠባዊ ዞባ ዚወስድ መገዲ እውን እዩ፡ ከምዚ ብምዃኑ ድማ ስግረ-ዶብ ዚምልከት ምኽሪ ይልግሰልካ።
Translated page: እዚ ጽሑፍ'ዚ፡ካብ ቋንቋ ሽወደን እዩ ተተርጒሙ። እቲ ጽሑፍን ናይቲ ገጽ ኣቀማምጣን ምስቲ መበቆላዊ ወይ ኦሪጂናል ገጽ ምስ ዚነጻጸር ፍሉይ ይመስል።
ብኸምዚ መገዲ ርኸበና
እቲ ሓባሪ (vägledningen) ኩሉ ናይ ስራሕ መዓልቲ ክፉት እዩ፡ ንምርኻብና ድማ ዋጋ ኣየኽፍልን። ነቲ ሕቶታትኩም ብቋንቋ ሽወደንን እንግሊዝን ክንምልሾ ኢና። በዚ ኣድራሻ'ዚ ርኸቡና፥
ተለፎን: 0771 – 525 525 (0046771 525 525 ካብ ወጻኢ ምስ እትድውሉ)
ኢመይል: info@hallakonsument.se
ቻት
በቲ ፍሮገፎራም (frågeforum) ዚብሃል መገዲ እውን ክትሓተና ትኽእል ኢኻ ''ሕቶን መልስን''
ናይ ሃሎ ኮንሱመንት ሓበርቲ ከምዚ ኪገብሩ ይኽእሉ፥
ንዕድጊ ኣቕሑ ወይ ኣገልግሎት፡ ንጥርዓናን ናይ ኣህለኽቲ ሕግን ዚምልከቱ ሕቶታት ምምላሽ
ንዕድጊ ዚጠቅምን ከመይ ጌርካ ንኣከባብያዊ ዘላቕነት ብዜውሕስ መገዲ ምዕዳግን ብዚምልከት መምርሒ ምሃብ
ብመገዲ ኤውሮጳዊት ቁጠባዊት ሽወደን፡ ንስግረ-ዶባዊ ንግዲ ወይ ጸገማት ዚምልከት ተወሳኺ ምኽሪ ምሃብ
ብዛዕባ ነቶም ኣብ ካልኦት መንግስታውያን ትካላት ዚርከቡ ክኢላታት፡ ንኣህለኽቲ ቤትጽሕፈታት ከምኡውን ኮሙናዊ ናይ ኣህላኺ ሓበሬታ ዚምልከቱ ዚግበር ምርኻባት ሓገዝ ምሃብ
ናይ ሃሎ ኮንሱመንት ሓበርቲ ከምዚ ኪገብሩ ኣይክእሉን፥
ምስ ኩባንያ ኪራኸቡ፡ ከም ወኪል ደው ኪብሉን ከምኡውን ኣብ መንጎኻን እቲ ኩባንያን
ዘይምርድዳእ ምስ ዘይህሉ ጣልቃ ምእታው
ንጉዳይካ ምግምጋም፡ ሰነዳት ምርኣይ ወይ ንስምምዕ ምትርጓም
ንናይ ቤትትምህርቲ ዕማማት ንምምላሽ ሓገዝ ምሃብ
ናብ ARN ምጥራዕን ናብ ቤትፍርዲ መጠየቕታ ምቕራብን
ኤውሮጳዊት ቁጠባዊት ሽወደን (ECC Sverige)–ምኽርን ስግረ-ዶባዊ ዕድግን
ኣብ ሃገር ሽወደን ትነብር እንተ ኾንካሞ እቲ ምስኡ ጸገም ዘሎካ ኩባንያ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ካብ ኖርወይን ኢስላንድ ዓባይ ብሪጣንያን ወጻኢ እተመዘገብ ምስ ዚኸውን፡ ነቲ ጉዳይካ ንምፍታሕ ንምፍታን ገንዘብ ዘይክፈሎ ምኽርን ናይ ኤውሮጳዊት ቁጠባዊት ሽወደን ሽምግልነትን ክትረክብ ትኽእል። ኤውሮጳዊት ቁጠባዊት ሽወደን ናይቲ ኣብ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ኖርወይን ኢስላንድን ዓባይ ብሪጣንያን ዘሎ ናይ ኣህለኽቲ መርበብ ቤትጽሕፈት ክፋል እያ። ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ኤውሮጳዊት ቁጠባዊት ሽወደን፡ ጸገማት ንምፍታሕ ምስ ካልኦት ኣብ ካልእ ሃገር ዚርከባ ኣሓት ትካልት ኮይና ነቲ ስራሕ ትማቐሎ እያ።
ኤውሮጳዊት ቁጠባዊት ሽወደን፡ ኣብቲ ኣብ ውሽጢ ቤትጽሕፈት ኣህለኽትን ናይ ኣህለኽቲ ሓበሬታ ወሃቢ ናይ ኤውሮጳ ናይ ኣህለኽቲ ማእከል መርበብን፡ ትካፈል እያ። እቲ ስራሕ ብኸፊል ብኤውሮጳዊ ኮሚሽን ይምወል።
ምትሕብባር መንግስታውያን ትካላትን ናይ ሃልኪ ወኪላትን
እቲ ሃሎ ኮንሱመንት ብቤትጽሕፈት ኣህለኽቲ ይውገን፡ ምስ ብዙሓት ካልኦት ትካላትን ናይ ኣህለኽቲ ወኪላትን ኮይኑ ድማ ብሓባር ይሰርሕ።
ኣብዚ ንኹሎም እቶም ኣብዚ ምትሕብባር ዚዋስኡ ሰብ-ጉዳይ ትረኽክቦም
ህዝባውያን ሰነዳት
ኩሉ ናብ ሃሎ ኮንሱመንት ዚመጽእ ሰነዳት ከም ህዝባዊ ሰነድ እዩ ዚቝጸር፡ እቶም ዝደልዩዎ ድማ ኪሓቱሉን ከንብቡዎን ይኽእሉ። ስለዚ ናባና እንታይ ዓይነት ሓበሬታ ክትልእኽ ከም እትደሊ ሕሰበሉ። ንሕና ነቲ ሓበሬታኻ እንደልዮ፡ ብኢመይል ወይ ብደብዳበ ክንምልሸልካ ስለ እንደሊ ከም ዝኾነ ፍለጥ።
ምሳና ንምርኻብ ዚህልዉ መሳለጥያታት
ኣገልግሎት መራኸቢ (Förmedlingstjänsten)፡ ቢልድተለፎኒ (Bildtelefoni.net)፡ ነቶም ናይ ሽወደን ናይ ምልክት ቋንቋ ዚጥቀሙን ነቶም ሽወደናዊ ዘረባ ዚጥቀሙን ነንሓድሕዶም ከም ዚደዋወሉ ይገብር።
ኣብ መንጎ ዚሰምዕን ብናይ ጽሙማን ምልክት ዚዛረብን ዚካየድ ዝርርብ፡ ብመገዲ ቢልድተለፎኒ ደውል
ተሌታል (Teletal) ነቶም ኣብ ግዜ ተለፎናዊ ዝርርብ ሓገዝ ዚደልዩ ሰባት ዘገልግል እዩ። ኣብቲ ዝርርብ፡ ምሳኻ ሓደ ተርጓማይ ኣሎ፡ ንኺሕግዘካ።
ምስ ዘረባን ድምጽን ጸገም ቋንቋን ዚዛመድ ናይ ተለፎን ደገፍ፡ ብመገዲ ተለታል ደውል
ኣገልግሎት መራኸቢ (Förmedlingstjänsten) (ተክስትተለፎኒ) Texttelefoni.se )ንኣኻ፡ ማለት ናይ ምስማዕ ጸገም ዘሎካ፡ ምስማዕ ዝሰኣንካ፡ ጽሙምን ዓይነስዉርን ወይ ናይ ምዝራብ ጸገማት ዘሎካ፡ ብመንጎኝነት ሳልሳዊ ዝርርብ ኽትድውልን ክትቅበልን የኽእለካ። እቲ ኣገልግሎት ንኣኻ ማለት ነቲ ናይ ዓይነስውራን ፊደላት ወይ ብረይ ዘዘውትር እውን ይጠቅም እዩ።
ኣብ መንጎ ልሙድ ተለፎንን ተክስት ተለፎንን ዚካየድ ዝርርብ፡ ብመገዲ ተክስትተለፎኒ ደውል
ትርጁማን ምስ እትደሊ
ናይ ትርጁማን ሓገዝ ምስ እትደሊ፡ ነቲ ናይ ትርጁማን መራኸቢ ተወከሶ፡ ወይ ድማ ኪትርጉመልካ ዚኽእል እትፈልጦ ሰብ እንተሎ ድለ። ነቲ ናይ ትርጁማን መራኸቢ ባዕልኻ ክትውከሶ ምስ ዘይትኽእል፡ ክንሕግዘካ ንኽእል ኢና።
ሃገራዊ ቋንቋ ውሁዳን
ቋንቋኻ ካብቶም ናይ ሃገራውያን ውሁዳን ቋንቋታት ሓደ ምስ ዚኸውን፡ ምስ መንግስታውያን ትካላት ክትራኸብ ከሎኻ ቋንቋኻ ንምዝውታር መሰል ኣሎካ።
ምንጪታት: Konsumentverket