ትርጉም - እተሰረዘ በረራ
Inställt flyg - Tigrinska
እቲ በረራኻ ምስ ዚስረዝ፡ ነቲ ዋኒን-በረራ (ኩባንያ) ካሕሳ ክትሓቶ ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ ገጽ'ዚ ብዝሒ ናይቲ እትሓቶ ካሕሳን፡ እቲ ኩባንያ ጥርዓንካ ምስ ዚነጽጎ እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካን ዚምልከት ሓበሬታ ኣሎካ።
Translated page: This text has been translated from Swedish. The text and appearance of the page may look different from the original page.
ነቲ ጠለብካ ኣጻሪኻ ናብቲ ናይ በረራ ዋኒን ለኣኮ
እንታይ ዓይነት መሰል ከም ዘሎካ ንምፍላጥ በቲ ገንዘብ ዘይክፈሎ ናይ በረራ ቀማሪ (flygkalkylatorn)ጌርካ ብዛዕባ'ቲ ናይ ነፋሪት ጉዕዞኻ ዚምልከት ፎርም ምላእ። ብተወሳኺ ክንደይ ካሕሳ ከም ዚኽፈለካ ክትፈልጥ ኢኻ። እቲ ቀማሪ በረራ ናብቲ ናይ በረራ ዋኒን መርበብ ሓበሬታ እውን የሕልፈካ እዩ፡ ብኡ ጌርካ ድማ ነቲ ጠለብካ ትልእኮ።
ናይ በረራ ቀማሪ ብቋንቋ ሽወደንን እንግሊዝን ኣሎ።
እቲ ጠለብካ በቲ ናይቲ ዋኒን በረራ መርበብ ሓበሬታ ክትልእኮ እንተ ዘይኽኢልካ፡ ነቲ ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት ናይ ይግበኣኒ ፎርም ተጠቐም፡ ነቲ ፎርም ድማ ናብቲ ናይ በረራ ዋኒን ወይ ኩባንያ ለኣኮ።
እቲ ፎርም ብቛንቋ ሽወደንን እንግሊዝን ኣሎ።
እቲ ናይ በረራ ኩባንያ ናይ ሽወደን ምስ ዘይከውን ወይ ድማ እቲ ፍጻመ ኣብ ሽወደን ዘይኮነስ ኣብ ካልእ ሃገር ዘጋጠመ ምስ ዚኸውን፡ ነቲ ናይ እንግሊዝ ፎርም ተጠቐም። ናይቲ ናብቲ ኩባንያ እትልእኮ ፎርም፡ ቅዳሕ ሓዝ። ነቲ ወጻኢታትካ ዚሽፍን ካሕሳ ምስ እትሓትት፡ ሰነዳት ምልኣኽ ኣገዳሲ እዩ፡ ማለት እንታይ ዓይነት ወጻኢኣታት ከም ዝገበርካ ዘርእይ ቅብሊት።
ካብቲ ናይ በረራ ዋኒን መልሲ ተጸበ
እቲ ጠለባትካ ናብቲ ኩባንያ ምስ ለኣኽካዮ፡ ካብቲ ኩባንያ መልሲ ተጸበ። ገለ ሰሙናት ኪወስድ ይኽእል እዩ፡ ግን ካብ ሽድሽተ ሰሙናት ንላዕሊ መልሲ ከይረኸብካ ምስ እትጽበ፡ ነቲ ጉዳይካ ቀጽሎን ተኸታተሎን።
ኣብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዘለዉ ፍሉያት ንምድንጓይ በረራ ዚምልከቱ መምርሒታት
ኣብ ውሽጢ ኤውሮጳዊ ሕብረት በረራ ምስ ዚደናጐ ወይ ምስ ዚስረዝ ናይ ሓገዝ መሰል ዚህቡኻ ፍሉያት መምርሒታት ኣለዉ። እቲ ካሕሳኻ ብተመጣጣኒ ዋጋ (schablonbeloppet) ብዩሮ ኪኽፈለካ እውን መሰል ኣሎካ።
ኣብ ከምዚ ዚስዕብ ኩነታት እቲ ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት መምርሒታት የገልግል፥
ካብ ሓደ ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት ሃገር ኤርፖርት ምስ እትበርር
ብሓደ ኣብ ኤውሮጳዊ ሕብረት እተመዝገበ ናይ በረራ ኩባንያ፡ ካብ ሓደ ወጻኢ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኤርፖርት ክሳዕ ኣብ ውሽጢ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዚርከብ ኤርፖርት ምስ እትበርር።
እቲ ሕጊ ንኖርወይ፡ ኢስላንድን ስዊዘርላንድን ልክዕ ከምቲ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ዚዝውተር የገልግል።
እቲ በረራኻ በቲ ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት መምርሒታት ዘይሽፈን ምስ ዚኸውን፡ ብተመሳሳሊ መጠን ዋጋ ንኽትከሓስ መሰል የብልካን። ይኹንምበር፡ ናይቲ ዘጥፋእካዮ ወጻኢታት ካሕሳ ንምርካብ መሰል ኣሎካ።
ኩሉ ግዜ ንዳግመ-ምዝገባን (ombokning) ምምላስ ክፍሊትን መሰል ኣሎካ
እቲ በረራኻ ምስ ዚስረዝ እሞ ብናይ ኤውሮጳዊ መምርሒታት ዚሽፈን ምስ ዚኸውን፡ ካብዞም ዚስዕቡ ኣማራጺታት መሰል ኣሎካ፥
ናብቲ ተኽእሎ ዘለዎ በረራ ወይ ንኻልእ ግዜ ዚኸውን ዳግመ-ምዝገባ
ነቲ ክትጥቀመሉ ዘይከኣልካ ክፋል ቲከት ዚምልከት ምምላስ ክፍሊት
እቲ ኩባንያ ኩሉ ግዜ ኣብ መንጎ ዳግመ-ምዝገባን ምምላስ ክፍሊትን ከምርጸካ እዩ። እዚ ድማ ጠንቂ ስረዛ ብዘየገድስ ከምኡውን ብዛዕባ ስረዛ መኣስ ከም እተሓበርካ ብዘየገድስ መገዲ እዩ ዚካየድ።
ዳግመ-ምዝገባ
እቲ ጉዕዞ ዳግመ-ምዝገባ ኪግበረሉ ከሎ፡ እቲ ጉዕዞ ተመሳሳሊ ኪኸውን ይግባእ። ካብ ክልተ ሰዓታት ንላዕሊ ምስ እትጽበ ምስቲ ምጽባይ ዚሳነ ምግብን መስተን ካብቲ ኩባንያ ይወሃበካ። እቲ ኩባንያ እንታይ መሰላት ከም ዘሎካ'ውን ኪሕብረካ እዩ። ኣብቲ ዚከኣል ቀጻሊ በረራ ዳግማይ ተመዝጊብካ እንተ ኾንካ፡ ኣብቲ ኤርፖርት ወይ ኣብቲ ዕላማ ቦታ መገሻኻ ድማ ሓደ ወይ ክልተ ለይቲ እንተ ጸኒሕካ፡ እቲ ኩባንያ እዩ ናይ ሆቴል መሕደሪ ዚኸፍለልካ።
ምምላስ ክፍሊት
ምምላስ ክፍሊት ምስ እትመርጽ፡ እቲ ኩባንያ ነቲ ዋጋ ቲከትካ ኣብ ውሽጢ 7 መዓልታት ኪኸፍሎ ግዴታ ኣለዎ። እቲ ዚምለስ ገንዘብ ብጥረ ወይ ብናይ ባንክ ሒሳብ ምዝውዋር ወይ ብባንክዪረዪንግ ወይ ብቸክ ኪኽፈል እዩ። እንተ ደኣ ተሰማሚዕካሉ፡ እቲ ክፍሊት ብክረዲት ሪሲት ወይ ብካልእ መገዲ ኪካየድ ይኽእል እዩ።
ናይ ቲከት ምምላስ ክፍሊት ማለት እቲ ምስቲ ኩባንያ ዝነበረ ውዕል ኣብቂዑ ማለት እዩ፡ ብድሕርዚ ድማ ንቤትካ ክትምለስ ናትካ ሓላፍነት እዩ። ብድሕር'ዚ እቲ ኩባንያ ናይ ምግቢ ወይ መስተ ወይ ናይ ሆቴል ወጻኢታት ኪኸፍል ኣይክእልን።
ንቁጠባዊ ካሕሳኻ ዚልከት መሰል
በረራኻ ምስ ተደናጎየ ክልተ ዓይነታት ቁጠባዊ ካሕሳ ኣሎዉኻ። እቲ ሓደ ካሕሳ ይብሃል፡ እቲ ሓደ ድማ ናይ ጉድኣት ኣሰያ ይብሃል።
ካሕሳ
ነቲ ብመምርሒታት ኤውሮጳዊ ሕብረት ዚሽፍን ንበረራኻ ዚምልከት ካሕሳ ብመጠን ዋጋ ዩሮ ንምውሳድ መሰል ኣሎካ። እቲ ካሕሳ ካብ 250 ክሳዕ 600 ዩሮ ይፈላለ።
እቲ ካሕሳ ነቲ ብምንኽንያት ምድንጓያት ዘባኸንካዮ ግዜ ይጥርንፍ። ነቲ ካሕሳ መሰል ንምህላው እቲ በረራ ሰለስተ ሰዓት ወይ ካብኡ ንላዕሊ ኪድንጒ ኣለዎ። እቲ መጠን ካሕሳኻ፡ ኣብቲ ንውሒ ሰዓታት በረራ እውን ይምርኮስ እዩ፥
250 ዩሮ ንኹሉ በረራ፡ ዝለዓለ 1500 ኪሎሜተር።
400 ዩሮ ንኹሉ በረራ ኣብ ውሽጢ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኮይኑ ካብ 1500 ኪ.ሜ ዚነውሕ፡ ከምኡውን ንኹሉ ካልእ በረራ ኣብ መንጎ 1500 ን 3500 ኪ.ሜ ዝምንውሑ።
600 ዩሮ ንኹሉ ካልእ፡ ብኤውሮጳዊ ሕብረት መምርሒታት ዚሽፈን በረራታት። ንውሒ በረራ ማለት ካብቲ ጀማሪ ነቝጣ ክሳዕ'ቲ መደምደምታ ጕዕዞ ማለት እዩ። እዚ ድማ እታ ነፋሪት ኣብ መንጎ ዓሊባ ነይራ እንተ ኾነት ወይ ድማ ኣብቲ ጕዕዞ ምድንጓይ እንተ ነይሩ ብዘየገድስ እዩ።
እቲ ዚውሃበካ ካሕሳ ኣብቲ ብዛዕባ ንሓድሽ ሰዓታት ጕዕዞ ዚምልከት ለውጢ መኣስ ከም እተሓበርካን፡ እዚ ድማ ካብቲ መበቆላዊ ሰዓት ብኽንደይ ከም ዚፈላለን ይምርኮስ። ኣብዘን ዚስዕባ ኩነታት ንካሕሳ መሰል የብልካን፥
14 መዓልታት ቅድሚ እቲ እተመደበ ንቕሎ፡ ንለውጢ ዚምልከት ሓበሬታ ምስ ዚወሃበካ።
7-13 መዓልታት ቅድሚ እቲ እተመደበ ንቕሎ፡ ንለውጢ ዚምልከት ሓበሬታ ምስ ዚወሃበካ፡ እቲ ሓድሽ ንቕሎኻ ድማ እንተ በዝሐ 2 ሰዓታት ቅድሚ'ቲ መበቆላዊ ሰዓት ንቕሎ ምስ ዚኸውን፡ እቲ ሓድሽ ናይ ምምጻእ ሰዓት ድማ ድሕሪ'ቲ መበቆላዊ ናይ ምምጻእ ሰዓት ካብ 4 ሰዓት ዘይበዝሕ ምስ ዚኸውን።
ካብ 7 መዓልታት ዚውሕድ ቅድሚ እቲ እተመደበ ንቕሎ፡ ንለውጢ ዚምልከት ሓበሬታ ምስ ዚወሃበካ፡ እቲ ሓድሽ ንቕሎኻ ድማ እንተ በዝሐ 1 ሰዓታት ቅድሚ'ቲ መበቆላዊ ሰዓት ንቕሎ ምስ ዚኸውን፡ እቲ ሓድሽ ናይ ምምጻእ ሰዓት ድማ ድሕሪ'ቲ መበቆላዊ ናይ ምምጻእ ሰዓት ካብ 2 ሰዓት ዘይበዝሕ ምስ ዚኸውን።
ናይ ጉድኣት ኣሰያ
እቲ በረራ ብኤውሮጳዊ ሕብረት መምርሒታት ይሸፈን ወይ ኣይሸፈን ብዘየገድስ፡ ነቲ ብምኽንያት ምስራዝ ኣብ መሬት ከሎኻ ዘጥፋእካዮ ወጻኢታትካ ካሕሳ ንምርካብ መሰል ኣሎካ። ንኣብነት ኣብቲ ኤርፖርት ከሎኻ ምግቢ ንምዕዳግ ተገዲድካ፡ ናይ ሆቴል ዘይሓደርካዮ፡ ዝኸሰርካዮ ናይ ስራሕ ኣታዊታት ኣሎ ንበል። ስለዚ እዚ ኩሉ ጸብጽቦ፡ ግን ምስቲ ምድንጓያት እተኣሳሰረ ኪኸውን ኣለዎ። ንኹሎም ናይ ወጻኢታትካ ቅብሊታት ከም መርትዖ ሓዞም።
ይኹንምበር፡ ነቲ ብሰንኪ ምስራዝ በረራ ዚመጽእ ናይ ስነልቦናዊ ጭንቀትን ናይ ምጽባይ መሰናኽልን ሕማቕ ስምዒትን ካልእ ተመሳሳሊ ጸገማትን ዚምልከት ገንዘባዊ ካሕሳ ኣይወሃበካን እዩ።
ኣብዚ ኩነታት'ዚ ናይ ገንዘባዊ ካሕሳ መሰል የብልካን
እቲ እተደናጎየ ወይ እተሰረዘ በረራ ብምኽንያት ልዕሊ ዓቕሚ ዝኾነ ኩነታት ምስ ዘጋጥም፡ እቲ ኩባንያ ብተመጣጣኒ ዋጋ (schablonbeloppet) ብዩሮ ኪኸፍለካ ግዴታ የብሉን። ልዕሊ ዓቕሚ ኩነታት ኪብሃል ከሎ፡ ልዕሊ ናይቲ ኩባንያ ኪቆጻጸሮ ዚኽእልን፡ ኩሉ ኣድላዪ ስጉምትታት ብምውሳድ እውን ኪእለ ዘይክእል ኩነታት ማለት እዩ።
ከም ልዕሊ ዓቕሚ ዝኹነ ኩነታት ተባሂሉ እተመደበ ኩነት የልቦን። ኩሉ ከከም ኩነታቱ ይለዋወጥ እዩ። ኣቐዲምካ ኪግምገም ድማ ኣይከኣልን። ግን ከኣ ኩሉ ግዜ ከም ልዕሊ ዓቕሚ ተባሂሉ ዚልለ ኩነታት ኣሎ፥
ፖለቲካዊ ስግኣት
ንበረራ ዘስናኽል ናይ ኣየር ኩነታት
ናይ ድሕነት ስግኣት
ኣብቲ ናይ በረራ ድሕነት ዘጓንፍ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ጉድለት
ኣብቲ ዋኒን ወይ ኩባንያ ነቲ ስራሕ ዚጸሉ ናይ ሾበሮ ወይ ናይ ስራሕ-ደው-ምባል ኪህሉ ከሎ
ኣብታ ነፋሪት ዚጓነፍ ተክኒካዊ ብልሽት ከም ልምዲ ከም ዘይግታእ ነጠባ ኣይውሰድን እዩ።
እቲ እተደናጎየ ወይ እተሰረዘ በረራ ብምኽንያት ዘይግታእ ነጠባ እዩ ኢሉ መርትዖ ዘቕርብ ባዕሉ እቲ ኩባንያ በረራ እዩ። ብተወሳኺ፡ እቲ ኩባንያ ነቲ ምድንጓይ ይኹን ወይ ነቲ ስረዛ ደው ንምባል ዝከኣሎ ከም ዝጸዓረ መርትዖ ከቕርብ ግዴታኡ እዩ።
ነቲ ጉዳይካ ከም ዚምርመር ንምግባር ከምዚ ግበር
ነቲ ጉዳይካ ኣየናይ በዓልስልጣን ከም ዚምርምሮ ብዚምልከት፡ እንታይ ዓይነት ካሕሳ ትሓትት ምህላውካን እቲ ፍጻመ ኣበየናይ ሃገር ከም እተጓነፈን ወሳኒ እዩ። ርኸበናሞ፡ ንመን ክትውከስ ከም ዘሎካ ክንሕብረካ ኢና።
ምንጪታት: Konsumentverket