ውሕስነት
Garanti - Tigrinska
ውሕስነት ኪብሃል ከሎ፡ እቲ ኩባንያ ነቲ ኣቕሑ ወይ ድማ ገለ ባህርያት ናይቲ ኣቕሑ ኣብ ውሽጢ'ቲ ናይ ውሕስነት ግዜ ከም ዘገልግል ውሕስነት ይህብ ማለት እዩ። ንስኻ ግን ኩሉ ግዜ ናይ ዓዳጊ ወይ ኣህላኺ ሕጊ ዋሕስ ኣሎካ። ንስኻ ናይ ሰለስተ ዓመታት ናይ ጥርዓን (ዘይዕግበት) መሰል ኣሎካ፡ ወላኳ እቲ ናይ ውሕስነት ግዜ ዝሓጸረ እንተ ኾነ። ውሕስነት እንታይ እዩ?
Translated page: እዚ ጽሑፍ'ዚ፡ካብ ቋንቋ ሽወደን እዩ ተተርጒሙ። እቲ ጽሑፍን ናይቲ ገጽ ኣቀማምጣን ምስቲ መበቆላዊ ወይ ኦሪጂናል ገጽ ምስ ዚነጻጸር ፍሉይ ይመስል።
ውሕስነት እንታይ እዩ?
ውሕስነት ማለት እቲ ዝዓደግካዮ ኣቕሓ ክሳዕ እተወሰነ ግዜ ከም ዘገልግለልካ በቲ ኩባንያ ዚወሃበካ መብጽዓ እዩ። በቲ ኩባንያ ዚውሃብ ውሕስነት ወለንታዊ እዩ፡ ነቲ መምርሒ ዘውጽኦን ዝውስኖን ድማ ባዕሉ እዩ። ንስኻ ከም ኣህላኺ መጠን ነቲ ውሕስነት ንኽትጥቀመሉ እንተ ኾንካ፡ ኣብቲ ኣቕሓ ብልሽት ወይ ጌጋ ከም ዘሎ መርትዖ ከተቕርብ ኣሎካ።
እቲ ኩባንያ ብመሰረት ሕጊ ውሕስነት ነቲ ናይቲ ዝዓደግካዮ ኣቕሓ ብልሽት ከዐርዮ ሓላፍነት ኣለዎ። ኣብቲ ውሽጢ ናይ ውሕስነት ግዜ፡ ኩሉ'ቲ ናይቲ ኣቕሓ ብልሽት መበቆላዊ ምዃኑ ኪግለጽ ይግባእ። መበቆላዊ ብልሽት ኪብሃል ከሎ፡ እቲ ብልሽት ዛጊት ክትዕድግ ከሎኻ ነይሩ ማለት እዩ። እቲ ብልሽት ጸኒሑ እንተ ተፈልጠ'ውን፡ ከም መበቆላዊ ብልሽት እዩ ዚቝጸር። ከም መበቆላዊ ብልሽት ዘይረአ ብልሽት፡ ንኣብነት ብሸለልትነትን ሕማቕ ኣተሓሕዛን ወይ ብሓደጋ ዚፍጠር ብልሽት እዩ።
ኣብ ውሽጢ'ቲ ናይ ውሕስነት ግዜ፡ እቲ መርትዖ ዘቕርብ ኣካል ባዕሉ እቲ ኩባንያ ብምዃኑ፡ ውሕስነት ምህላው ካብቶም ብመሰረት ሕጊ ኣህለኽቲ ዚወሃቡኻ መሰላት ንላዕሊ ዝሓሸ እዩ።
ንውሕስነትካ ብኸምዚ ተጠቐመሉ
እቲ ውሕስነትካ እንታይ ከም ዚጥርንፍን ዚሽፍንን እንታይ ከም ዘድልዮን፡ መሰልካ ብሕጊ ከም ዘይጽሎን ብዚምልከት እቲ ኩባንያ ጽሑፍ ሓበሬታ ኪህበካ እዩ።
እቲ ውሕስነት ዝገበርካሉ ኣቕሓ ምስ ዚስበር ወይ ድማ ብገለ ካልእ መገዲ ኣበር ዘለዎ ምስ ዚኸውን፡ ነቲ ኣቕሓ ዝዓደግካሉ ኩባንያ ክትውከሶ ይግበኣካ። ኣብ ውሽጥ'ቲ ናይ ውሕስነት ግዜ፡ ከምቲ ብመሰረት ሕጊ ኣህለኽቲ እተወህበካ መሰላት፡ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ኪውሰድ ንምጥያቕ መሰል ኣሎካ።
እቲ ውሕስነት ዘለዎ ኣቕሓ፡ ብልሽት ምስ ዚርከቦ፡ ብዘይ ክፍሊት እዩ ዚዕረየልካ። ብምኽንያት ብልሽት ዝገበርካዮ ተወሳኺ ወጻኢታት ንምርካብ እውን ካሕሳ ንኽትሓትት መሰል ኣሎካ። እዚ ድማ ከም ኣብነት፡ ናብቲ ኩባንያ እተገብረ ጉዕዞ ኪኸውን ይኽእል። እቲ ኩባንያ ንዕረያ እንተ ደኣ ኣኽፊሉካ፡ ናብቲ ናይ ሽወደን ናይ ኣህለኽቲ ቤትጽሕፈት ጥርዓንካ ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ።
ናብቲ ናይ ኣህለኽቲ ቤትጽሕፈት ጥርዓንካ ኣቕርብ
እቲ ውሕስነት ዋጋ ምስ ዘይህሉዎ
እቲ ኩባንያ ካብ ውሕስነት ከምልጥ እንተ ደኣ ፈቲኑ፡ ነቲ ኣቕሓ ንስኻ ከም ዘበላሸኻዮ ዘረጋግጽ መርትዖ ከቕርብ ይግደድ። ንስኻ ናይቲ ኣቕሓ ብልሽት ሓላፍነት ክትወስድ እትኽእል - ነቲ ኣቕሓ ምስ ዓደግካዮ ሓደጋ ምስ ዘጋጥም ኪኸውን ይኽእል - ወይ ድማ ነቲ ኣቕሓ ብሸለልትነት ተጠቒምካሉ ክትከውን ትኽእል፡ ወይ'ውን ብዘይ ኣገባብ ኣዘውቲርካዮ ትኸውን፡ ማለት ነቲ ኣተሓሕዛን ኣተገባብራን ዚሕብር መምርሒ ሸለል ኢልካዮ ትኸውን ወይ ድማ እቲ ብልሽት ብናይ ብዝሒ ዝውተራን ምእራግን ምኽንያት ኪኸውን ይኽእል እዩ።
ኣብ መንጎ ውሕስነትን መሰል ዘይዕግበትን (ጥርዓንን) ዘሎ ፍልልይ
ውሕስነትን መሰል ጥርዓንን ክልተ እተፈለለያ ኣምራት ኮይነን ግን ይተሓዋወሳ እየን። ውሕስነት በቲ ኩባንያ ብወለንታ ዚወሃብ እዩ፡ ናይ ጥርዓን መሰል ግን ብመሰረት ሕጊ ኣህለኽቲ ንሰለስተ ዓመት የገልግል እዩ። ነቲ ብልሽት እተረኽቦ ኣቕሓ ዚምልከት ውሕስነት ይሃሉኻ ኣይሃሉኻ ብዘየገድስ፡ ብመሰረት ሕጊ ኣህለኽቲ ክሳዕ ሰለስተ ዓመታት ናይ ጥርዓን መሰል ኣሎካ። እቲ ውሕስነት ካብ ሰለስተ ዓመታት ዚነውሕ እንተ ኾይኑ፡ ኣብተን ዓመታት ናይ ጥርዓን መሰልካ ሕሉው እዩ።
ንኽልተ ዓመታት ውሕስነት ምስ ዚህልወካ'ሞ ብድሕሪኡ እቲ ኣቕሓ ምስራሕ ምስ ዚኣቢ፡ ንሓደ ዓመት ምሉእ ጥርዓንካ ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ፡ ምኽንያቱ ድማ ካብቲ ናይ ዕድጊ ዕለት ጀሚሩ ንሰለስተ ዓመታት ናይ ጥርዓን መሰል ኣሎካ።
ምንጪታት: Konsumentverket