ንግጉይ ፋክቱር ተኸራኸረሉ
Bestrida felaktig faktura - Tigrinska
ግጉይ ፋክቱር ምስ ዚውሃበካ ተኸራኸር፡ ማለት ጌጋ ከም ዝኾነ ንገር። መጀመርታ ምስቲ ኩባንያ ተራኸብ፡ ኣየናይ ጌጋ ከም ዝኾነ ድማ ሓብር።
Translated page: እዚ ጽሑፍ'ዚ፡ካብ ቋንቋ ሽወደን እዩ ተተርጒሙ። እቲ ጽሑፍን ናይቲ ገጽ ኣቀማምጣን ምስቲ መበቆላዊ ወይ ኦሪጂናል ገጽ ምስ ዚነጻጸር ፍሉይ ይመስል።
ነቲ ኩባንያ ብጽሑፍ ርኸቦ
መጀመርያ ነቲ ኩባንያ ኣበይ ጌጋ ከም ዝገበረ ሓብሮ። እቲ ርክብካ ብጽሑፍ ይኹን፡ ንኣብነት ብኢመይል። ምናልባት ምስ ሓበርካዮም እቲ ጌጋ ብቐሊሉ ዚእረም ኪኸውን ይኽእል እዩ።
እቲ ኩባንያ ነቲ ጌጋ እዩ እትብሎ ከዐርዮ ምስ ዘይደሊ፡ ነቲ ፋክቱር ብምሉኡ ወይ ነቲ ጌጋ ዘለዎ ክትክራኸረሉ ትኽእል ኢኻ።
ከምዚ ብምግባር ኢኻ እትከራኸር
ነቲ ፋክቱር ምክርኻር ማለት፡ ነቲ ኩባንያ ዝለኣኾ ፋክቱር ከም ዘይትቕበሎ ምሕባር ማለት እዩ፡ ማለት ክትከፍል ፍቓደኛ ከም ዘይኮንካ ኢኻ ትሕብር ዘሎኻ። ይኹንምበር ስለምንታይ እቲ ፋክቱር ጌጋ ከም ዝኾነ ክትገልጽ ይግበኣካ፣ ንኣብነት እቲ ድምር ሒሳብ ምስቲ እተሰማማዕካሉ ከም ዘይቃዶ ክትገልጽ ይግበኣካ።
እቲ ፋክቱር ክሳዕ ክንደይ ጌጋ ከም ዘለዎ ኣረጋግጽ
እቲ ፋክቱር ብምሉኡ ወይ ብኸፊል ጌጋ ኣለዎ እንተ ኾይኑ ኣረጋግጽ። እቲ ዕላማ፡ ነቲ ቅኑዕ ዝኾነ ሒሳብ ጥራይ ክትከፍል ምዃንካ ዚገልጽ እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ነቲ ክፍሊት ፍርቁ ከም እትኸፍል፡ ነቲ ዝተረፈ ድማ ክትከራኸረሉ ከም እትደሊ ምሕባር የድሊ እዩ።
ብጽሑፍ ኢኻ እትከራኸር
ነቲ ክፍሊት ክትብድሆ ከሎኻ ነቲ ኩባንያ ብጽሑፍ ምርኻብ ኣገዳሲ እዩ፡ በዚ ድማ ትከራኸር ከም ዘሎኻ ተርእይ። ንኣብነት ኢመይል ክትልእኽ ትኽእል። ደብዳበ ትልእኽ እንተ ኾንካ ግን፡ ምእንቲ ንምርግጋጽ ኪጥዕመካ፡ ብራኮማንደ ወይ ብሕድሪ-ፖስጣ እንተ ለኣኽካዮ ይምረጽ። ነቲ ደብዳበኻ ንምስኣል ወይ ፎቶኮፒ ንምግባር ኣይትረስዕ።
ኣብቲ ናብቲ ኩባንያ እትልእኮ ደብዳበ፡ ናይቲ ጌጋ ኣለዎ እትብሎ ፋክቱር ቍጽርን ብዝሒ ገንዘብን ዕለትን ክትጠቅስ ይግባእ።
ድሕሪ ክርክርካ
እቲ ኩባንያ ነቲ ክርክርካ ኪምልሽ ወይ ኪቕበሎ ግዱድ ኣይኮነን። እቲ ኩባንያ ልክዕ እየ ዘሎኹ ኢሉ ምስ ዚኣምን ንኪኽፈል መሰል ከም ዘለዎ ድማ ምስ ዘረጋግጽ፡ ነቲ ጉዳይ ባዕሉ እዩ ዚመርሖ። ንስኻ ክርክርካ ምስ ለኣኽካ፡ እቲ ኩባንያ እንታይ ስጉምቲ ከም ዚወስድ ተጸበዮ። እቲ ኩባንያ ተወሳኺ ጠለባት ምስ ዘይልእኽ፡ ምንም ክትገብር ኣይትኽእልን።
እቲ ኩባንያ፡ ነቲ ጠለብ ከም እተቐበልካዮ ገይሩ ምስ ዚሓስብ
እቲ ኩባንያ፡ ነቲ ጠለብ ምቕባልካ ወይ ትእዛዝ ኣቕሪብካ ምንባርካ እንተ ገሊጹ፡ ባዕሉ እዩ መርትዖ ከቕርብ ዘለዎ። ንስኻ፡ ምስቲ ኩባንያ ውዕል ከም ዝገበርካ ዘርኢ መርትዖ ኪወሃበካ ነቲ ኩባንያ ክትሓቶ ትኽእል ኢኻ።
እቲ ኩባንያ ደዊሉልካ ዶ ነይሩ?
ብመሰረት ሕጊ፡ ኣብቲ ብመገዲ ተለፎን ዚግበር መሸጣ፡ እቲ ውዕል ሕጋዊ ንኪኸውን እቲ ኩባንያ ካባኻ ናይ ጽሑፍ ፍቓደኛነት ኪረክብ ይግባእ። እዚ ዚኸውን እቲ ኩባንያ ባዕሉ ምስ ዚድውለልካ እዩ፡ ወይ ድማ እቲ ኩባንያ ክትድውለሉ ምስ ዚሓተካ እዩ። ነቲ ውዕል ከም ዘይትቕበሎ ብጽሑፍ ምስ እትገልጽ፡ እቲ ውዕል ሕጋዊ ኣይኮነን፡ ስለዚ ነቲ ኩባንያ እትኸፍሎ ምንም ዕዳ የብልካን። ገለ ነገር ንምዕዳግ ባዕልኻ ብወለንታኻ ናብቲ ኩባንያ ምስ እትድውል ግን፡ ናይ ጽሑፍ ምቕራብ ግዴታ የብልካን።
ናይ ጽሑፍ ፍቓደኛነት ከመይ ኢዩ ዚካየድ?
ናይ ጽሑፍ ፍቓደኛነት ብዙሕ ዓይነታት እዩ። ንኣብነት ከምዚ ክትገብር ትኽእል፥
ነቲ ናብ ቤትካ እተላእከ ወረቐት ብምፍራም
ብኢመይል ወይ ብኤስ.ኤም.ኤስ ጌርና ፍቓደኛ ምዃንካ ምግላጽ
ብናይ ባንኪ ኣይ-ዲ ጌርካ ፍቓደኛ ምዃንካ ምግላጽ
እቲ ፍቓደኛነት ድሕሪ እቲ ዝርርብ ኪኸውን ይግባእ፡ ከምዚ ብምግባር ድማ ብዛዕባ'ቲ ጠለብ ክትሓስብ ግዜ ይህልወካ። ዝርርብ እናተኻየደ ከሎ፡ እቲ ኩባንያ ነቲ ጠለብ ክትቅበሎ ኪግድደካ የብሉን።
ፍቓደኛ ምዃንካ ብጽሑፍ መገዲ ዘይገለጽካ እንተ ኾንካ፡ ተኸራኸር
ነቲ ጠለብ ከም ዘይተቐበልካዮ ብጽሑፍ ሓቢርካ ከሎኻ፡ እቲ ኩባንያ ክትከፍል ምስ ዘገድደካ፡ ክትከራኸርን ከምዚ ዝበለ ውዕል ከም ዘየሎ ብምሕባር ክትጠቅስን ትኽእል ኢኻ።
ዘይኣዘዝካዮ ኣቕሑ ምስ እትቕበል
ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እቲ ኩባንያን ምንም ውዕል ምስ ዘይህሉ፡ ነቲ እቲ ኩባንያ ዝለኣኾ ኣቕሓ ክትመልሶ ግዴታ የብልካን። እቲ ኩባንያ ነቲ ኣቕሓ ምለሰለይ ምስ ዚብለካ፡ ንስኻ ድማ እቲ ኣቕሓ ኣብ ገዛኻ ኪቕመጥ ምስ ዘይትደሊ፡ እቲ ኣቕሓ ንኺምለሰሉ እቲ ኩባንያ ባዕሉ እዩ ነቲ ዋጋ መምለሲ ኪኸፍሎ ዘለዎ።
ብዙሕ ፋክቱራት፡ ስምዕታታት ወይ ናይ ኣስገዳድ መኽፈልቲ (inkassokrav) መጠንቀቕታ ምስ ዚመጸካ
ነቲ ፋክቱር እናተኻራኸርካ ከሎኻ፡ እቲ ኩባንያ ኣብቲ ጠለቡ ብምድራቕ ሓደስቲ ፋክቱራት ወይ ስምዕታታት ኪልእኸልካ ወይ ናብ ኣስግዳዲ ኣኽፋሊ ከሕልፈካ ይኽእል እዩ።
ሓደስቲ ፋክቱራት ምስ ዝመጹኻ
ምስቶም ዛጊት እተኸራኸርካሉ ፋክቱር ዘይራኸቡ ካልኦት ሓደስቲ ፋክቱራት ምስ ዚመጹኻ፡ ነቲ ኩባንያ ከም ብሓድሽ ብጽሑፍ ክትከራኸሮ ይግበኣካ።
ነቶም ዛጊት እተከራኸርካሎም ፋክቱራት ዚምልከቱ ስምዕታታት ምስ ዚመጹኻ
ነቲ ዛጊት እተኸራኸርካሉ ፋክቱር ዚምልከት ስምዕታ ምስ ዚመጸካ፡ ነቲ ስምዕታ ኣይትከራኸረሉ። ነቲ ኦሪጂናል ፋክቱር መበገሲ ብምግባርን ብምክርኻርን ዛጊት ከም ዘይትኸፍል ኣረጋጊጽካ ኢኻ።
ናይ ኣስገዳድ መኽፈልቲ መጠንቀቕታ (inkassokrav) ምስ ዚመጸካ
ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት እቲ ኩባንያ ነቲ ዚሓቶ ክፍሊት ሓገዝ ንኪረኽበሉ ብማለት ንኣተግበርቲ ይውከስ እዩ። ይኹንምበር፡ ናይ ኣተግበርቲ ኣስገዳድነት መጺኡካ ማለት፡ ኣብ ናይ ክፍሊት ምዝገባ ኣቲኻ ወይ ክትኣቱ ኢኻ ማለት ኣይኮነን። ነዚ ኣተግባሪ ኣካል ከምቲ ንማንም ፋክቱር እትከራኸረሉ፡ ክትከራኸሮ ትኽእል ኢኻ፡ ግን ከኣ ናብቲ ደብዳበ ዝለኣኸልካ ናይ ኣስገዳድ ትካል ኢኻ ክርክርካ እተቕንዕ። ስለምንታይ ነቲ ጠለብ ትከራኸረሉ ከም ዘሎኻ ምግላጽ ኣገዳሲ እዩ። ኩሉ ግዜ ብጽሑፍ ተኸራኸር፡ ንኣብነት ብኢመይል።
እቲ ኩባንያ ናብ ናይ ቤትፍርዲ ፖሊስ (Kronofogden) ምስ ዘሕልፈካ
ሓድሓደ ግዜ እቲ ኩባንያ ነቲ ዝጠለቦ ክፍሊት ምእንቲ ኪረኽቦ ንኣስገዳዲ ፖሊሳዊ ትካል ይውከስ እዩ፡ ማለት ናይ ምኽፋል ትእዛዝ ይሓትት፡ ይኹንምበር፡ እቲ ጠለብ ግጉይ ክሳዕ ዝኾነ ክትከራኸር ትኽእል ኢኻ።
እቲ ኩባንያ ንኣስገዳዲ ትካል ምስ ዚውከስ፡ ካብቲ ፖሊሳዊ ትካል ደብዳበ ኪመጸካ እዩ። ኣብቲ ደብዳበ፡ ነቲ ክፍሊት ምስ ዘይትሰማማዓሉ እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ ሰፊሩ ኣሎ፡ ከምኡውን ንኽትምልሽ ክንደይ ግዜ ከም እተዋህበካ።
ኣብ ውሽጢ ናይቲ ምምላሽ ግዜ ንስኻ ነቲ ኣስገዳዲ ትካል እቲ ጠለብ ግጉይ ምዃኑ እንተ ሓቢርካዮ፡ ናይ ዘይምኽፋል ክሳዊ ምዝገባ ኣይኪህልወካን እዩ። ገለ ምስ ዘይትገብር ግን፡ ማለት ኣይምኽፍል ወይ ኣይምሕባር ምስ ዘጋጥም፡ ሽዑ እቲ ኣስገዳዲ ትካል ውሳኔኡ ኪልእከልካ እዩ። ከምዚ ኪብሃል ከሎ ድማ እቲ ኣስገዳዲ ትካል ነቲ ናይ ኩባንያ ክፍሊት ክትከፍሎ ይግድደካ ኣሎ ማለት እዩ። ኣብዚ ኩነታት'ዚ ናይ ዘይምኽፋል ምዝገባ ኪካየደልካ እዩ፡ ማለት እተን ናይ ልቓሕ ትካላት ከም ዘይከፈልካ ኪምዝግባኻ እየን።
ነቲ ናይ ኣስገዳዲ ትካል ምስ እትከራኸሮ፡ እቲ ኩባንያ ናይ ምኽፋልን ዘይምኽፋልን ውሳኔ ንምርካብ ነቲ ጉዳይ ናብ ቤትፍርዲ የሕልፎ።
ንስኻን እቲ ኩባንያን ምስ ዘይትሰማምዑ
ገለ መምርሒ ምስ እትደሊ ነቲ ሃሎ ኮንሱመንት (Hallå konsument) ርኸቦ። ንሕና ሃገራዊ ናይ ሓበሬታ ኣገልገልቲ ኢና፡ ብዛዕባ መሰልካን ካልእ ዚህልወካ ኣማራጺታትን ድማ ንሕብረካ። ንሕና ናጻ ዝኾነ መምርሒ ኢና እንህብ፡ ስለዚ ድማ ነቲ ጉዳይካ ርእይቶ ክንህበሉ፡ ወይ ንጸገማትካ ክንፈትሖ ወይ ኣብ ክንዳኻ ምስ ትካላት ክንራኸብ ኣይንኽእልን።
ንስኻን እቲ ኩባንያን ምስ ዘይትሰማምዑ ነቲ ክርክር ንምርኣይ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ንህዝባዊ ናይ ጥርዓን ቦርድ (Allmänna reklamationsnämnden, ARN) ክትውከስ ትኽእል ኢኻ። ይኹንምበር እቲ ጉዳይ ናብ ኣተግባሪ ፖሊስ ወይ ናብ ቤትፍርዲ ሓሊፉ እንተ ነበረ ወይ ሓሊፉ እንተሎ፡ እቲ ARN ነቲ ጉዳይካ ኣይርእዮን እዩ።
ምንጪታት: Konsumentverket