ናይ ምንስሓብ መሰል

Ångerrätt - Tigrinska

ብመሰረት ሕጊ፡ ናይ ምንስሓብ መሰል ምህላው ማለት፡ ነቲ ብመርበብ ሓበሬታ፡ ብተለፎን ወይ ካብ ናይቲ ኩባንያ ዙርያ ዕዳጋ ወጻኢ ዝኾነ፡ ንኣብነት ብመገዲ ማዕጾ-ማዕጾ (hemförsäljning) ዚካየድ መሸጣ ዝገበርካዮ ዕድጊ ንምስራዝ 14 መዓልታት ኣሎካ ማለት እዩ።

Translated page: እዚ ጽሑፍ'ዚ፡ካብ ቋንቋ ሽወደን እዩ ተተርጒሙ። እቲ ጽሑፍን ናይቲ ገጽ ኣቀማምጣን ምስቲ መበቆላዊ ወይ ኦሪጂናል ገጽ ምስ ዚነጻጸር ፍሉይ ይመስል።

ምንስሓብ እንታይ ማለት እዩ?

ብመገዲ ሕጊ፡ ነቲ ናይ ምንስሓብ መሰልካ ክትጥቀመሉ ከሎኻ፡ ነቲ ኣቕሓ ወይ ነቲ ኣገልግሎት ክትከፍለሉ ደጊም ግዴታ የብልካን ማለት እዩ። ዛጊት ከፊልካ እንተ ኾንካ፡ ከም መሰረታዊ መትከል፡ እቲ ዝኸፈልካዮ ኩሉ ኪምለሰልካ እዩ።

እቲ ናይ ምንስሓብ ግዜ፡ ማለት ነቲ ዝዓደግካዮ ኣቕሓ ንምስራዝ፡ 14 መዓልታት እዩ። ነቲ ኣቕሓ ምስ ዓደግካዮ፡ እቲ ናይ ምንስሓብ ግዜ ኪቝጸር ዚጅምር ነቲ ኣቕሓ ምስ ወሰድካዮ እዩ። እቲ ዝዓደግካዮ፡ ኣገልግሎት ምስ ዚኸውን፡ እቲ ናይ ምንስሓብ ግዜ ዚጅምር ድሕሪ'ታ ነቲ ውዕል ምስ ኣተኻዮ እትመጽእ መዓልቲ እዩ - ንኣብነት፡ ነቲ ናይ ኩባንያ ጠለብ ምስ ተቐበልካዮን ትእዛዝ ምስ ኣቕረብካን ወይ ነቲ ውዕል ምስ ፈረምካሉን።

መኣስ እዩ ናይ ምንስሓብ መሰል ዘሎካ?

እቲ ናይ ምንስሓብ መሰልካ ዚሰርሕ፡ ነቲ ኣቕሓ ብርሕቀት ምስ እትዕድጎ፡ ማለት ምስቲ ኩባንያ ከይተራኸብካ ምስ እትዕድጎ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብቲ ብተለፎን ዚካየድ ዕድጊ ከምኡውን ብኢንተርነት ዚካየድ ዕድጊ። ከምኡውን ነቲ ኣቕሓ ካብቲ ናይቲ ኩባንያ ዕዳጋዊ ዙርያ ወጻኢ ምስ እትዕድጎ፡ ናይ ምንስሓብ መሰል ኣሎካ፡ ንኣብነት ኣብ ናይ ማዕጾ-ማዕጾ ዚካየድ መሸጣ። ሓደ ኩባንያ ነቲ ኣቕሑ ኣብ ሓደ ናይ መሸጣ ኤክስፖ ወይ ልሙድ ዕዳጋ ምስ ዚሸይጥ፡ ከም ምጕዳል ዋጋ ዘለዎ መሸጣ እዩ ዚቝጸር፡ ግን ኩሉ ግዜ ኣይኮነን።

ኣብ ቡቲክ ናይ ምንስሓብ መሰል የልቦን

ብመሰረት ሕጊ፡ ነቲ ኣብ ቡቲክ እትዕድጎ ኣቕሓ ብዚምልከት፡ ናይ ምንስሓብ መሰል የብልካን፡ ወይ'ውን ኣብቲ እቲ ኩባንያ ዚውንኖ ዱካናት። ይኹንምበር ገለ ኩባንያታት ናይ ኣቕሕ ምምላስ ወይ ምቕያር ንጥፈታት ይፈቕዳ እየን። ናይ ኣቕሓ ምምላስ ወይ ምቕያር ወለንታዊ እዩ። ኣብዚ ግን እቲ ኩባንያ እዩ ኣብቲ ናቱ መምርሒታት ተመርኲሱ ዚውስን።

ነቲ ኣቕሓ ንምምርማር ዘሎካ መሰል

ሓደ ኣቕሓ ምስ እትዕድግ፡ ከምቲ ኣብቲ ቡቲክ እተካዪዶ ምርመራ ከተካይድ ትኽእል ኢኻ። ግን ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ንስኻ ነቲ ኣቕሓ ብገለ መገዱ ተእርጎን ትሕዝቶኡ ተትሕቶን ስለ ዘሎኻ እቲ ኩባንያ ካሕሳ ኪሓተካ ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ናይ ምትሓት-ትሕዝቶ ቅነሳ ይብሃል። ከምዚ ዚኸውን ግን ነቲ ኣቕሓ ካብ ዘድሊ ንላዕሊ ምስ እትምርምሮን እትጥቀመሉን ጥራይ እዩ።

ጽምዲ ሳእኒ ምስ እትዕድግ፡ ማዕቀንካ ምዃኑ ንምፍላጥ ክትፍትኖ መሰል ኣሎካ። ግን ነቲ ሳእኒ ኣብ ደገ ወጺእካ ንምፍታን ምስ እትኸደሉ፡ እቲ ኩባንያ ነቲ ሳእኒ ንምጽራይ ዘውጽኦ ገንዘብ ከኽፍለካ መሰል ኣለዎ።

ከም ነቲ ኩባንያ ሓሳባትካ ከም ዝቐየርካ ሓብሮ

ሓሳባትካ ከም ዝቐየርካ ንምርግጋጽ ነቲ ኩባንያ ብጽሑፍ እተን ሓበርካዮ ዝበለጸ እዩ፡ ንኣብነት ብኢመይል። ከመይ ዓይነት ጽሑፍ ከም እተቕርብ ዚገልጽ መምርሒ የልቦን፡ ጥራይ ነቲ ናይ ሓሳባትካ ምቕያር መሰልካ ክትጥቀመሉ ከም ዝደለኻ ብንጹር ምሕባር እዩ ዘድሊ።

ካብቲ ኩባንያ ናይ ምስራዝ ፎርም ረኺብካ እንተ ኾንካ፡ ንኣኡ ተጠቐም። ነቲ ፎርም ናብቲ ኩባንያ ብመገዲ ፖስታ ምስ እትልእኮ፡ ኣቐዲምካ ነቲ ፎርም ሰኣሎ፡ ወይ ፎቶኮፒ ግበሮ፡ በዚ ድማ ሓሳባትካ ከም ዝቐየርካ ዘረጋግጽ ሰነድ ኪህልወካ ይኽእል።

እቲ ኩባንያ ነቲ ዝለኣኽካዮ ንመሰል ስረዛ ዚምልከት መልእኽቲ ከም ዘገልግል ኪሕብረካ ኣይትጸበዮ። እቲ ኩባንያ ምስ ዘይምልሸልካ እውን እቲ መሰልካ ኣይባኽንን እዩ። እቲ ኣገዳሲ ነገር፡ ነቲ ኩባንያ ሓሳባትካ ከም ዝለወጥካን፡ ነዚ ስረዛ'ዚ ዚምልከት መርትዖ ሰነድ ከም ዘሎካን፡ ኣብ ውሽጢ 14 መዓልታት ከም ዝሰረዝካዮን ምሕባር ጥራይ እዩ።

ነቲ ኣቕሓ ናብቲ ኩባንያ ምለሶ

ሓሳባትካ ምስ እትቕይር፡ ነቲ ኣቕሓ ናብቲ ናይቲ ኩባንያ ናይ መምለሲ ኣድራሻ ለኣኮ። እቲ ኩባንያ ነዚ ዚምልከት ኣብቲ ግዜ ዕድጊ ሓቢሩካ እንተ ዘይነይሩ፡ ነቲ ናይ ምምላስ ወጻኢታት ባዕልኻ ኢኻ እትኸፍሎ። ነቲ ናይ ምምላስ ወጻኢታት ዚኽፈል ገንዘብ፡ ከምኡውን ነቲ ኣቕሓ ብኸመይ መገዲ ከም እትልእኮ ዚምልከት ቅድመ-ኩነታት ዘቕርብ ባዕሉ እቲ ኩባንያ እዩ።

ናይቲ ዕድጊ ናይ ምስራዝ መዓልቲ ኪናዋሕ ይኽእል እዩ

ከም ልምዲ፡ ነቲ ዕድጊ ንምስራዝ 14 መዓልታት ኣሎካ፡ ይኹንምበር፡ ብመሰረት እቲ ምስ ዕድጊ ተኣሳሲሩ እተዋህበካ ሓበሬታ፡ እቲ ናይ ምስራዝ መዓልቲ ኪናዋሕ ይኽእል እዩ።

ብመሰረት ሕጊ፡ እቲ ኩባንያ እተን 14 መዓልታት መኣስ ኪቝጽራ ከም ዚጅምራ ብኸምዚ ዚስዕብ መገዲ ኪሕብረካ ይግባእ፥

  • ናይ ምስራዝ መሰል እንተሎ

  • ሓሳባትካ ንኽትቅዪር ክንደይ ግዜ ከም ዘሎካ

  • ሓሳባትካ ንኽትቅይር እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ

  • ሓሳባትካ ምስ እትቕይር እተዘውትሮ መደበኛ ፎርም ይህበካ፡ ወይ ከምኡ ዝበለ ፎርም ኣበይ ከም እትረክብ ይሕብረካ

እቲ ኩባንያ ንኹሉ ነጥብታት ዚምልከት ሓበሬታ ምስ ዘይህበካ፡ ወላኳ 14 መዓልታት እንተ ሓለፈ፡ ጌና ሓሳባትካ ክትልውጥ ትኽእል ኢኻ። እቲ ናይ ሓሳብ ምልዋጥ ወይ ምስራዝ ግዜ እውን ኪናዋሕ ይኽእል እዩ። ክሳዕ ሓደ ዓመት ኪናዋሓልካ ይኽእል እዩ።

ኩሉ`ቲ ንምንስሓብ ዚምልከት ሓበሬታ ከም እተቐበልካ መርትዖ ከቕርብ ዘለዎ ባዕሉ እቲ ኩባንያ እዩ። ብመገዲ ኢንተርነት ምስ እትዕድግ፡ ከም ልምዲ እቲ ናይ ቅድመኩነት ሓበሬታ ኣብቲ ናይቲ ኩባንያ ወብሳይት ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።

ኣብቲ ብተለፎን ዚግበር ዕድጊ፡ ጽሑፋዊ ፍቓድካ ኣድላዪ እዩ

ብመሰረት ሕጊ፡ ኣብቲ ብመገዲ ተለፎን ዚግበር መሸጣ፡ እቲ ውዕል ሕጋዊ ንኪኸውን እቲ ኩባንያ ካባኻ ናይ ጽሑፍ ፍቓደኛነት ኪረክብ ይግባእ። እዚ ዚኸውን እቲ ኩባንያ ባዕሉ ምስ ዚድውለልካ እዩ፡ ወይ ድማ እቲ ኩባንያ ክትድውለሉ ምስ ዚሓተካ እዩ። ነቲ ውዕል ከም ዘይትቕበሎ ብጽሑፍ ምስ እትገልጽ፡ እቲ ውዕል ሕጋዊ ኣይኮነን፡ ስለዚ ነቲ ኩባንያ እትኸፍሎ ምንም ዕዳ የብልካን። ገለ ነገር ንምዕዳግ ባዕልኻ ብወለንታኻ ናብቲ ኩባንያ ምስ እትድውል ግን፡ ናይ ጽሑፍ ምቕራብ ግዴታ የብልካን።

ናይ ጽሑፍ ፍቓደኛነት ከመይ ኢዩ ዚካየድ?

ናይ ጽሑፍ ፍቓደኛነት ብዙሕ ዓይነታት እዩ። ንኣብነት ከምዚ ክትገብር ትኽእል፥

  • ነቲ ናብ ቤትካ እተላእከ ወረቐት ብምፍራም

  • ብኢመይል ወይ ብኤስ.ኤም.ኤስ ጌርና ፍቓደኛ ምዃንካ ምግላጽ

  • ብናይ ባንኪ ኣይ-ዲ ጌርካ ፍቓደኛ ምዃንካ ምግላጽ

እቲ ፍቓደኛነት ድሕሪ እቲ ዝርርብ ኪኸውን ይግባእ፡ ከምዚ ብምግባር ድማ ብዛዕባ'ቲ ጠለብ ክትሓስብ ግዜ ይህልወካ። ዝርርብ እናተኻየደ ከሎ፡ እቲ ኩባንያ ነቲ ጠለብ ክትቅበሎ ኪግድደካ የብሉን።

ፍቓደኛ ምዃንካ ብጽሑፍ መገዲ ዘይገለጽካ እንተ ኾንካ፡ ተኸራኸር

ነቲ ጠለብ ከም ዘይተቐበልካዮ ብጽሑፍ ሓቢርካ ከሎኻ፡ እቲ ኩባንያ ክትከፍል ምስ ዘገድደካ፡ ክትከራኸርን ከምዚ ዝበለ ውዕል ከም ዘየሎ ብምሕባር ክትጠቅስን ትኽእል ኢኻ።

ምንስሓብ ዘይፋቀደሉ ኣጋጣሚታት

ካብ መሰል ምንስሓብ ናጻ ዝኾኑ ሓድሓደ ኣቕሑትን ኣገልግሎትን። ገለ ከባታቶም ንኣብነት፥

  • ኩሉ ዓይነት መገሻታት፡ ንኣብነት ነፋሪት፡ ባቡር፡ ኣውቶቡሳት።

  • ኣብ ሆቴል ምጽናሕ ወይ ገዛ ምክራይ።

  • ብመሰረት ድሌትካን ኣገላልጻኻን እተሰርሐ ፍሉይ ኣቕሓ።

  • ቀልጢፉ ዚበላሾን ዚኣርግን ነገራት፡ ከም ገለ ዓይነታት ጥረ-መግቢ።

  • ተዓሺጎም ጸኒሖም እተኸፍቱ ኣቕሑ ኪምለሱ ኣይክእሉን፡ እዚ ድማ ብምኽንያት ጥዕናን ጽሬትን እዩ፡ ንኣብነት ናይ ትሕተ-ልብሲ ክዳውንቲ (ካኖቴራ፡ ሙታንዲ )

  • ኣብቲ መዓልታቱ ዚካየዱ እተመደቡ ኣገልግሎታት፡ ንኣብነት ናይ ማኪና ክራይ፡ መስተንግዶ፡ ባህላዊ ንጥፈት፡ ናይ ስፖርት ንጥፈት ወይ ካልኦት ተመሳሰልቲ ናይ ትርፊ-ግዜ ንጥፈታት።

  • ምህናጽ ኣባይቲ ወይ ካልኦት ኣብ ማያትን መሬትን ዚስርሑ ዘይንቀሳቐሱ ቅርጽታት፡ ንኣብነት ናይ ፎኛቱራ ስራሕ።

  • መደበኛ ምምልላስ ጥረ-መግቢ፡ ንኣብነት ናይ መግቢ ባኮታት ምብጽጻሕ።

  • እተዛዘመ ኣገልግሎት፡ እቲ ስራሕ ንኺጅመር ተሰማሚዕካ እንተ ኔርካ፡ ምስ ተወደአ ድማ ናይ ምስራዝ መሰል ከም ዘይህሉ ምስ እትፈልጥ።

  • ዲጂታላዊ ትሕዝቶ፡ ንኣብነት ብዲጂታላዊ መገዲ ዚሰጋገሩ ፕሮግራማት፡ ኣፕሊከሽናት፡ ገይም ወይ ሙዚቃ፡ ኣቐዲምካ ነቲ ኣገልግሎት ብኸምዚ መገዲ ኪፍጸም ተሰማሚዕካ እንተ ኔርካን ናይ ስረዛ መሰል ከም ዘይብልካ ፈሊጥካ እንተ ኔርካን።

  • ኣብ ገዛኻ ዚካየድ ናይ ህጹጽ ዕረያ ወይ ጽገና ስራሕ፡ እቲ ስራሕ ብናትካ ተበግሶ ዚካየድ እንተ ኾይኑ፡ እቲ ናይ ዕረያን ጽገናን ስራሕ ድማ ምስዚ እተተሓሓዘ ምስ ዚኸውን።

ንስኻን እቲ ኩባንያን ምስ ዘይትሰማምዑ

ገለ መምርሒ ምስ እትደሊ ነቲ ሃሎ ኮንሱመንት (Hallå konsument) ርኸቦ። ንሕና ሃገራዊ ናይ ሓበሬታ ኣገልገልቲ ኢና፡ ብዛዕባ መሰልካን ካልእ ዚህልወካ ኣማራጺታትን ድማ ንሕብረካ። ንሕና ናጻ ዝኾነ መምርሒ ኢና እንህብ፡ ስለዚ ድማ ነቲ ጉዳይካ ርእይቶ ክንህበሉ፡ ወይ ንጸገማትካ ክንፈትሖ ወይ ኣብ ክንዳኻ ምስ ትካላት ክንራኸብ ኣይንኽእልን።

ናይ ሃሎ ኮንሱመንት መራኸቢ ሓበሬታ

ንስኻን እቲ ኩባንያን ምስ ዘይትሰማምዑ ነቲ ክርክር ንምርኣይ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ንህዝባዊ ናይ ጥርዓን ቦርድ (Allmänna reklamationsnämnden, ARN) ክትውከስ ትኽእል ኢኻ። ኣይክፈሎን እዩ።

ብዛዕባ ከመይ ጌርካ ኣብ ARN ከም እትጠርዕ፡ ኣብቲ ናቱ መርበብ ሓበሬታ ኣቲኻ ኣንብብ

ናብ ARN ጥርዓን ምቕራብ ንኽትክእል፡ እቲ ኩባንያ ነቲ ጠለብካ ብምሉኡ ወይ ብኸፊል ዘይተቐበሎ ወይውን ብጭራሽ ዘይመለሸልካ ኪኸውን ይግባእ።

Ångerrätt

Att ha ångerrätt enligt lag betyder att du har 14 dagar på dig att ångra ett köp som du har gjort över nätet, telefon eller utanför företagets affärslokaler, till exempel vid hemförsäljning. 

Vad innebär ångerrätt? 

När du använder din ångerrätt enligt lag har du inte längre någon skyldighet att betala för varan eller tjänsten. Har du redan betalat är grundprincipen att du ska få tillbaka hela summan som du har betalat.

Ångerfristen, det vill säga tiden du har på dig att ångra köpet, är 14 dagar. Har du köpt en vara börjar ångerfristen att räknas dagen efter att du hämtade ut varan. Har du köpt en tjänst börjar fristen räknas dagen efter att du ingick avtalet – till exempel när du tackade ja till företagets erbjudande, gjorde en beställning eller skrev under ett avtal.

När har du ångerrätt?

Din ångerrätt enligt lag gäller när du köper något på distans, det vill säga utan att träffa företaget. Det gäller till exempel vid telefonförsäljning och nätköp. Du har också ångerrätt när du köper något utanför företagets affärslokaler, till exempel vid hemförsäljning. Om företaget säljer varor på en mässa eller marknad kan det också räknas som försäljning utanför deras affärslokal, men inte alltid. 

Ingen ångerrätt i butik

Enligt lag har du ingen ångerrätt när du köper något i en butik eller på plats i företagets lokaler. Däremot erbjuder en del företag öppet köp eller bytesrätt. Öppet köp och bytesrätt är frivilligt att erbjuda vilket betyder att företag själva bestämmer sina regler.  

Din rätt att undersöka varan 

Köper du en vara har du rätt att undersöka den på samma sätt som du har möjlighet att göra i en butik. Men i vissa fall kan företaget ha rätt till ersättning för att varan har minskat i värde. Det brukar kallas för ett värdeminskningsavdrag. Ett sådant avdrag är bara aktuellt om du har undersökt eller använt varan mer än nödvändigt. 

Om du köper ett par skor har du rätt att prova skorna för att se om de passar. Men om du till exempel använder skorna utomhus kan företaget ha rätt att göra ett avdrag för att göra rent skorna. 

Meddela företaget att du ångrar dig 

För att du ska kunna bevisa att du har ångrat dig är det bäst att meddela företaget skriftligen, till exempel via mejl. Det finns inga särskilda krav på hur du ska formulera dig, utöver att det ska vara tydligt att du vill använda din ångerrätt. 

Har du fått en ångerblankett av företaget kan du använda den om du vill. Skickar du blanketten via brev till företaget är det bra att fota blanketten eller ta en kopia så att du har kvar underlag på att du har ångrat dig.

Företaget behöver inte bekräfta ditt meddelande om ångerrätt för att det ska gälla. Du förlorar alltså inte din ångerrätt om företaget inte svarar dig. Det viktiga är att du kan bevisa att du har ångrat dig och att du har ångrat dig inom 14 dagar. 

Skicka tillbaka varan till företaget 

När du ångrar dig behöver du skicka tillbaka varan till företagets returadress. Du ska själv betala returfrakten, förutsatt att företaget har informerat dig om det i samband med köpet. Det brukar stå i företagets villkor om kostnaden för returfrakt och hur du ska göra när du skickar tillbaka varan.  

Tiden för att ångra köpet kan förlängas 

Normalt sett har du 14 dagar på dig att ångra köpet, men beroende på vilken information du fick i samband med köpet kan tiden för ångerrätten förlängas. 

Enligt lag ska företaget ge dig följande information om ångerrätten för att de 14 dagarna ska börja räknas: 

  • Om det finns ångerrätt 

  • Hur lång tid du har på dig att ångra dig 

  • Hur du gör för att ångra dig 

  • Ge dig ett standardformulär du kan använda när du ångrar dig, eller informera om var du kan hitta ett sådant formulär

Om företaget inte gett dig informationen i samtliga punkter kan du ångra dig även om det har gått mer än 14 dagar. Din ångerfrist kan alltså förlängas. Som längst kan ångerfristen förlängas med ett år. 

Det är företaget som ska kunna bevisa att du har fått all information om ångerrätten. Om du till exempel handlar på nätet är det vanligt att informationen finns i villkoren på företagets webbplats.  

Ditt skriftliga godkännande krävs vid telefonförsäljning 

För telefonförsäljning krävs det enligt lag att företaget får ett skriftligt godkännande från dig för att avtalet ska bli giltigt. Det gäller om företaget ringer upp dig, eller om du blev uppmanad av företaget att ringa dem. Om du inte har godkänt avtalet skriftligen är det ogiltigt, och du har ingen betalningsskyldighet gentemot företaget. Om du på eget initiativ ringer upp ett företag för att köpa något finns inget skriftlighetskrav. 

Hur ska ett skriftligt godkännande gå till? 

Ett skriftligt godkännande kan se ut på olika sätt. Du kan till exempel: 

  • Skriva under ett papper du får hemskickat 

  • Godkänna elektroniskt via e-post eller sms 

  • Godkänna via bank-ID 

 Godkännandet ska ske efter samtalet, så att du får tid att tänka över erbjudandet. Det är alltså inte okej för företaget att uppmana dig att godkänna erbjudandet under samtalet.  

Bestrid om du inte har godkänt skriftligen 

Om företaget kräver betalning från dig trots att du inte har godkänt erbjudandet skriftligen, kan du protestera och hänvisa till att det inte finns något avtal. 

Undantag från ångerrätten 

Det finns några få varor och tjänster som är undantagna från ångerrätten. Några exempel är: 

  • Alla typer av resor, till exempel flyg-, tåg- och bussresor 

  • Hotellvistelser eller uthyrning av boende 

  • En specialtillverkad vara som har tillverkats utifrån din beskrivning 

  • En vara som snabbt kan försämras eller bli för gammal, till exempel vissa typer av livsmedel 

  • Varor som med bruten försegling inte kan återlämnas på grund av hälso- eller hygienskäl, till exempel underkläder 

  • Tjänster som sker på en bestämd dag eller under en bestämd tidsperiod, som till exempel biluthyrning, servering/catering, kulturevenemang, idrottsevenemang eller någon annan liknande fritidsaktivitet 

  • Uppförande av byggnad eller annan fast anläggning på mark eller vatten, till exempel installation av avlopp 

  • Regelbunden utkörning av livsmedel, till exempel leverans av matkassar 

  • En tjänst som har fullgjorts, om du har gått med på att tjänsten börjar utföras och att det inte finns någon ångerrätt när den har fullgjorts 

  • Digitalt innehåll, till exempel program, appar, spel eller musik, som levereras digitalt, om du har gått med på att leveransen sker på det sättet och att du inte har ångerrätt 

  • En brådskande reparations- eller underhållsåtgärd i din bostad, om besöket sker på ditt initiativ och reparationen eller underhållsåtgärden har samband med detta. 

Om du och företaget inte kommer överens 

Om du behöver vägledning kan du kontakta Hallå konsument. Vi är en nationell upplysningstjänst som kan ge information om dina rättigheter och vilka alternativ du har för att komma vidare. Vi ger oberoende vägledning och kan därför inte bedöma ditt enskilda ärende, lösa tvister eller kontakta företag åt dig.

Kontaktuppgifter till Hallå konsument

Om du och företaget inte kommer överens kan du i många fall göra en anmälan till Allmänna reklamationsnämnden (ARN) för att få tvisten prövad. Det är kostnadsfritt. 

Läs mer om att göra en anmälan på ARN:s webbplats  

För att kunna anmäla till ARN måste företaget ha sagt helt eller delvis nej till ditt krav, eller inte svarat alls.

Fäll ihop

ምንጪታት: Konsumentverket