ናይ ምንስሓብ መሰል
Ångerrätt - Tigrinska
ብመሰረት ሕጊ፡ ናይ ምንስሓብ መሰል ምህላው ማለት፡ ነቲ ብመርበብ ሓበሬታ፡ ብተለፎን ወይ ካብ ናይቲ ኩባንያ ዙርያ ዕዳጋ ወጻኢ ዝኾነ፡ ንኣብነት ብመገዲ ማዕጾ-ማዕጾ (hemförsäljning) ዚካየድ መሸጣ ዝገበርካዮ ዕድጊ ንምስራዝ 14 መዓልታት ኣሎካ ማለት እዩ።
Translated page: እዚ ጽሑፍ'ዚ፡ካብ ቋንቋ ሽወደን እዩ ተተርጒሙ። እቲ ጽሑፍን ናይቲ ገጽ ኣቀማምጣን ምስቲ መበቆላዊ ወይ ኦሪጂናል ገጽ ምስ ዚነጻጸር ፍሉይ ይመስል።
ምንስሓብ እንታይ ማለት እዩ?
ብመገዲ ሕጊ፡ ነቲ ናይ ምንስሓብ መሰልካ ክትጥቀመሉ ከሎኻ፡ ነቲ ኣቕሓ ወይ ነቲ ኣገልግሎት ክትከፍለሉ ደጊም ግዴታ የብልካን ማለት እዩ። ዛጊት ከፊልካ እንተ ኾንካ፡ ከም መሰረታዊ መትከል፡ እቲ ዝኸፈልካዮ ኩሉ ኪምለሰልካ እዩ።
እቲ ናይ ምንስሓብ ግዜ፡ ማለት ነቲ ዝዓደግካዮ ኣቕሓ ንምስራዝ፡ 14 መዓልታት እዩ። ነቲ ኣቕሓ ምስ ዓደግካዮ፡ እቲ ናይ ምንስሓብ ግዜ ኪቝጸር ዚጅምር ነቲ ኣቕሓ ምስ ወሰድካዮ እዩ። እቲ ዝዓደግካዮ፡ ኣገልግሎት ምስ ዚኸውን፡ እቲ ናይ ምንስሓብ ግዜ ዚጅምር ድሕሪ'ታ ነቲ ውዕል ምስ ኣተኻዮ እትመጽእ መዓልቲ እዩ - ንኣብነት፡ ነቲ ናይ ኩባንያ ጠለብ ምስ ተቐበልካዮን ትእዛዝ ምስ ኣቕረብካን ወይ ነቲ ውዕል ምስ ፈረምካሉን።
መኣስ እዩ ናይ ምንስሓብ መሰል ዘሎካ?
እቲ ናይ ምንስሓብ መሰልካ ዚሰርሕ፡ ነቲ ኣቕሓ ብርሕቀት ምስ እትዕድጎ፡ ማለት ምስቲ ኩባንያ ከይተራኸብካ ምስ እትዕድጎ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብቲ ብተለፎን ዚካየድ ዕድጊ ከምኡውን ብኢንተርነት ዚካየድ ዕድጊ። ከምኡውን ነቲ ኣቕሓ ካብቲ ናይቲ ኩባንያ ዕዳጋዊ ዙርያ ወጻኢ ምስ እትዕድጎ፡ ናይ ምንስሓብ መሰል ኣሎካ፡ ንኣብነት ኣብ ናይ ማዕጾ-ማዕጾ ዚካየድ መሸጣ። ሓደ ኩባንያ ነቲ ኣቕሑ ኣብ ሓደ ናይ መሸጣ ኤክስፖ ወይ ልሙድ ዕዳጋ ምስ ዚሸይጥ፡ ከም ምጕዳል ዋጋ ዘለዎ መሸጣ እዩ ዚቝጸር፡ ግን ኩሉ ግዜ ኣይኮነን።
ኣብ ቡቲክ ናይ ምንስሓብ መሰል የልቦን
ብመሰረት ሕጊ፡ ነቲ ኣብ ቡቲክ እትዕድጎ ኣቕሓ ብዚምልከት፡ ናይ ምንስሓብ መሰል የብልካን፡ ወይ'ውን ኣብቲ እቲ ኩባንያ ዚውንኖ ዱካናት። ይኹንምበር ገለ ኩባንያታት ናይ ኣቕሕ ምምላስ ወይ ምቕያር ንጥፈታት ይፈቕዳ እየን። ናይ ኣቕሓ ምምላስ ወይ ምቕያር ወለንታዊ እዩ። ኣብዚ ግን እቲ ኩባንያ እዩ ኣብቲ ናቱ መምርሒታት ተመርኲሱ ዚውስን።
ነቲ ኣቕሓ ንምምርማር ዘሎካ መሰል
ሓደ ኣቕሓ ምስ እትዕድግ፡ ከምቲ ኣብቲ ቡቲክ እተካዪዶ ምርመራ ከተካይድ ትኽእል ኢኻ። ግን ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ንስኻ ነቲ ኣቕሓ ብገለ መገዱ ተእርጎን ትሕዝቶኡ ተትሕቶን ስለ ዘሎኻ እቲ ኩባንያ ካሕሳ ኪሓተካ ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ናይ ምትሓት-ትሕዝቶ ቅነሳ ይብሃል። ከምዚ ዚኸውን ግን ነቲ ኣቕሓ ካብ ዘድሊ ንላዕሊ ምስ እትምርምሮን እትጥቀመሉን ጥራይ እዩ።
ጽምዲ ሳእኒ ምስ እትዕድግ፡ ማዕቀንካ ምዃኑ ንምፍላጥ ክትፍትኖ መሰል ኣሎካ። ግን ነቲ ሳእኒ ኣብ ደገ ወጺእካ ንምፍታን ምስ እትኸደሉ፡ እቲ ኩባንያ ነቲ ሳእኒ ንምጽራይ ዘውጽኦ ገንዘብ ከኽፍለካ መሰል ኣለዎ።
ከም ነቲ ኩባንያ ሓሳባትካ ከም ዝቐየርካ ሓብሮ
ሓሳባትካ ከም ዝቐየርካ ንምርግጋጽ ነቲ ኩባንያ ብጽሑፍ እተን ሓበርካዮ ዝበለጸ እዩ፡ ንኣብነት ብኢመይል። ከመይ ዓይነት ጽሑፍ ከም እተቕርብ ዚገልጽ መምርሒ የልቦን፡ ጥራይ ነቲ ናይ ሓሳባትካ ምቕያር መሰልካ ክትጥቀመሉ ከም ዝደለኻ ብንጹር ምሕባር እዩ ዘድሊ።
ካብቲ ኩባንያ ናይ ምስራዝ ፎርም ረኺብካ እንተ ኾንካ፡ ንኣኡ ተጠቐም። ነቲ ፎርም ናብቲ ኩባንያ ብመገዲ ፖስታ ምስ እትልእኮ፡ ኣቐዲምካ ነቲ ፎርም ሰኣሎ፡ ወይ ፎቶኮፒ ግበሮ፡ በዚ ድማ ሓሳባትካ ከም ዝቐየርካ ዘረጋግጽ ሰነድ ኪህልወካ ይኽእል።
እቲ ኩባንያ ነቲ ዝለኣኽካዮ ንመሰል ስረዛ ዚምልከት መልእኽቲ ከም ዘገልግል ኪሕብረካ ኣይትጸበዮ። እቲ ኩባንያ ምስ ዘይምልሸልካ እውን እቲ መሰልካ ኣይባኽንን እዩ። እቲ ኣገዳሲ ነገር፡ ነቲ ኩባንያ ሓሳባትካ ከም ዝለወጥካን፡ ነዚ ስረዛ'ዚ ዚምልከት መርትዖ ሰነድ ከም ዘሎካን፡ ኣብ ውሽጢ 14 መዓልታት ከም ዝሰረዝካዮን ምሕባር ጥራይ እዩ።
ነቲ ኣቕሓ ናብቲ ኩባንያ ምለሶ
ሓሳባትካ ምስ እትቕይር፡ ነቲ ኣቕሓ ናብቲ ናይቲ ኩባንያ ናይ መምለሲ ኣድራሻ ለኣኮ። እቲ ኩባንያ ነዚ ዚምልከት ኣብቲ ግዜ ዕድጊ ሓቢሩካ እንተ ዘይነይሩ፡ ነቲ ናይ ምምላስ ወጻኢታት ባዕልኻ ኢኻ እትኸፍሎ። ነቲ ናይ ምምላስ ወጻኢታት ዚኽፈል ገንዘብ፡ ከምኡውን ነቲ ኣቕሓ ብኸመይ መገዲ ከም እትልእኮ ዚምልከት ቅድመ-ኩነታት ዘቕርብ ባዕሉ እቲ ኩባንያ እዩ።
ናይቲ ዕድጊ ናይ ምስራዝ መዓልቲ ኪናዋሕ ይኽእል እዩ
ከም ልምዲ፡ ነቲ ዕድጊ ንምስራዝ 14 መዓልታት ኣሎካ፡ ይኹንምበር፡ ብመሰረት እቲ ምስ ዕድጊ ተኣሳሲሩ እተዋህበካ ሓበሬታ፡ እቲ ናይ ምስራዝ መዓልቲ ኪናዋሕ ይኽእል እዩ።
ብመሰረት ሕጊ፡ እቲ ኩባንያ እተን 14 መዓልታት መኣስ ኪቝጽራ ከም ዚጅምራ ብኸምዚ ዚስዕብ መገዲ ኪሕብረካ ይግባእ፥
ናይ ምስራዝ መሰል እንተሎ
ሓሳባትካ ንኽትቅዪር ክንደይ ግዜ ከም ዘሎካ
ሓሳባትካ ንኽትቅይር እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ
ሓሳባትካ ምስ እትቕይር እተዘውትሮ መደበኛ ፎርም ይህበካ፡ ወይ ከምኡ ዝበለ ፎርም ኣበይ ከም እትረክብ ይሕብረካ
እቲ ኩባንያ ንኹሉ ነጥብታት ዚምልከት ሓበሬታ ምስ ዘይህበካ፡ ወላኳ 14 መዓልታት እንተ ሓለፈ፡ ጌና ሓሳባትካ ክትልውጥ ትኽእል ኢኻ። እቲ ናይ ሓሳብ ምልዋጥ ወይ ምስራዝ ግዜ እውን ኪናዋሕ ይኽእል እዩ። ክሳዕ ሓደ ዓመት ኪናዋሓልካ ይኽእል እዩ።
ኩሉ`ቲ ንምንስሓብ ዚምልከት ሓበሬታ ከም እተቐበልካ መርትዖ ከቕርብ ዘለዎ ባዕሉ እቲ ኩባንያ እዩ። ብመገዲ ኢንተርነት ምስ እትዕድግ፡ ከም ልምዲ እቲ ናይ ቅድመኩነት ሓበሬታ ኣብቲ ናይቲ ኩባንያ ወብሳይት ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።
ኣብቲ ብተለፎን ዚግበር ዕድጊ፡ ጽሑፋዊ ፍቓድካ ኣድላዪ እዩ
ብመሰረት ሕጊ፡ ኣብቲ ብመገዲ ተለፎን ዚግበር መሸጣ፡ እቲ ውዕል ሕጋዊ ንኪኸውን እቲ ኩባንያ ካባኻ ናይ ጽሑፍ ፍቓደኛነት ኪረክብ ይግባእ። እዚ ዚኸውን እቲ ኩባንያ ባዕሉ ምስ ዚድውለልካ እዩ፡ ወይ ድማ እቲ ኩባንያ ክትድውለሉ ምስ ዚሓተካ እዩ። ነቲ ውዕል ከም ዘይትቕበሎ ብጽሑፍ ምስ እትገልጽ፡ እቲ ውዕል ሕጋዊ ኣይኮነን፡ ስለዚ ነቲ ኩባንያ እትኸፍሎ ምንም ዕዳ የብልካን። ገለ ነገር ንምዕዳግ ባዕልኻ ብወለንታኻ ናብቲ ኩባንያ ምስ እትድውል ግን፡ ናይ ጽሑፍ ምቕራብ ግዴታ የብልካን።
ናይ ጽሑፍ ፍቓደኛነት ከመይ ኢዩ ዚካየድ?
ናይ ጽሑፍ ፍቓደኛነት ብዙሕ ዓይነታት እዩ። ንኣብነት ከምዚ ክትገብር ትኽእል፥
ነቲ ናብ ቤትካ እተላእከ ወረቐት ብምፍራም
ብኢመይል ወይ ብኤስ.ኤም.ኤስ ጌርና ፍቓደኛ ምዃንካ ምግላጽ
ብናይ ባንኪ ኣይ-ዲ ጌርካ ፍቓደኛ ምዃንካ ምግላጽ
እቲ ፍቓደኛነት ድሕሪ እቲ ዝርርብ ኪኸውን ይግባእ፡ ከምዚ ብምግባር ድማ ብዛዕባ'ቲ ጠለብ ክትሓስብ ግዜ ይህልወካ። ዝርርብ እናተኻየደ ከሎ፡ እቲ ኩባንያ ነቲ ጠለብ ክትቅበሎ ኪግድደካ የብሉን።
ፍቓደኛ ምዃንካ ብጽሑፍ መገዲ ዘይገለጽካ እንተ ኾንካ፡ ተኸራኸር
ነቲ ጠለብ ከም ዘይተቐበልካዮ ብጽሑፍ ሓቢርካ ከሎኻ፡ እቲ ኩባንያ ክትከፍል ምስ ዘገድደካ፡ ክትከራኸርን ከምዚ ዝበለ ውዕል ከም ዘየሎ ብምሕባር ክትጠቅስን ትኽእል ኢኻ።
ምንስሓብ ዘይፋቀደሉ ኣጋጣሚታት
ካብ መሰል ምንስሓብ ናጻ ዝኾኑ ሓድሓደ ኣቕሑትን ኣገልግሎትን። ገለ ከባታቶም ንኣብነት፥
ኩሉ ዓይነት መገሻታት፡ ንኣብነት ነፋሪት፡ ባቡር፡ ኣውቶቡሳት።
ኣብ ሆቴል ምጽናሕ ወይ ገዛ ምክራይ።
ብመሰረት ድሌትካን ኣገላልጻኻን እተሰርሐ ፍሉይ ኣቕሓ።
ቀልጢፉ ዚበላሾን ዚኣርግን ነገራት፡ ከም ገለ ዓይነታት ጥረ-መግቢ።
ተዓሺጎም ጸኒሖም እተኸፍቱ ኣቕሑ ኪምለሱ ኣይክእሉን፡ እዚ ድማ ብምኽንያት ጥዕናን ጽሬትን እዩ፡ ንኣብነት ናይ ትሕተ-ልብሲ ክዳውንቲ (ካኖቴራ፡ ሙታንዲ )
ኣብቲ መዓልታቱ ዚካየዱ እተመደቡ ኣገልግሎታት፡ ንኣብነት ናይ ማኪና ክራይ፡ መስተንግዶ፡ ባህላዊ ንጥፈት፡ ናይ ስፖርት ንጥፈት ወይ ካልኦት ተመሳሰልቲ ናይ ትርፊ-ግዜ ንጥፈታት።
ምህናጽ ኣባይቲ ወይ ካልኦት ኣብ ማያትን መሬትን ዚስርሑ ዘይንቀሳቐሱ ቅርጽታት፡ ንኣብነት ናይ ፎኛቱራ ስራሕ።
መደበኛ ምምልላስ ጥረ-መግቢ፡ ንኣብነት ናይ መግቢ ባኮታት ምብጽጻሕ።
እተዛዘመ ኣገልግሎት፡ እቲ ስራሕ ንኺጅመር ተሰማሚዕካ እንተ ኔርካ፡ ምስ ተወደአ ድማ ናይ ምስራዝ መሰል ከም ዘይህሉ ምስ እትፈልጥ።
ዲጂታላዊ ትሕዝቶ፡ ንኣብነት ብዲጂታላዊ መገዲ ዚሰጋገሩ ፕሮግራማት፡ ኣፕሊከሽናት፡ ገይም ወይ ሙዚቃ፡ ኣቐዲምካ ነቲ ኣገልግሎት ብኸምዚ መገዲ ኪፍጸም ተሰማሚዕካ እንተ ኔርካን ናይ ስረዛ መሰል ከም ዘይብልካ ፈሊጥካ እንተ ኔርካን።
ኣብ ገዛኻ ዚካየድ ናይ ህጹጽ ዕረያ ወይ ጽገና ስራሕ፡ እቲ ስራሕ ብናትካ ተበግሶ ዚካየድ እንተ ኾይኑ፡ እቲ ናይ ዕረያን ጽገናን ስራሕ ድማ ምስዚ እተተሓሓዘ ምስ ዚኸውን።
ንስኻን እቲ ኩባንያን ምስ ዘይትሰማምዑ
ገለ መምርሒ ምስ እትደሊ ነቲ ሃሎ ኮንሱመንት (Hallå konsument) ርኸቦ። ንሕና ሃገራዊ ናይ ሓበሬታ ኣገልገልቲ ኢና፡ ብዛዕባ መሰልካን ካልእ ዚህልወካ ኣማራጺታትን ድማ ንሕብረካ። ንሕና ናጻ ዝኾነ መምርሒ ኢና እንህብ፡ ስለዚ ድማ ነቲ ጉዳይካ ርእይቶ ክንህበሉ፡ ወይ ንጸገማትካ ክንፈትሖ ወይ ኣብ ክንዳኻ ምስ ትካላት ክንራኸብ ኣይንኽእልን።
ንስኻን እቲ ኩባንያን ምስ ዘይትሰማምዑ ነቲ ክርክር ንምርኣይ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ንህዝባዊ ናይ ጥርዓን ቦርድ (Allmänna reklamationsnämnden, ARN) ክትውከስ ትኽእል ኢኻ። ኣይክፈሎን እዩ።
ብዛዕባ ከመይ ጌርካ ኣብ ARN ከም እትጠርዕ፡ ኣብቲ ናቱ መርበብ ሓበሬታ ኣቲኻ ኣንብብ
ናብ ARN ጥርዓን ምቕራብ ንኽትክእል፡ እቲ ኩባንያ ነቲ ጠለብካ ብምሉኡ ወይ ብኸፊል ዘይተቐበሎ ወይውን ብጭራሽ ዘይመለሸልካ ኪኸውን ይግባእ።
ምንጪታት: Konsumentverket